ልደት ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ

በስመ ኣብ፣ ወወልድ፣ ወመንፈስ ቅዱስ፣ ፩ዱ፣ ኣምላኽ፣ ኣሜን።

እንቋዕ፣ ናብ፣ ብርሃነ፣ ልደቱ፣ ብሰላም፣ ኣብጽሓና፣ ልደት ጐይታናን፣ ኣምላኽናን፣ መድሓኒናን ኢየሱስ፣ ክርስቶስ፣ ንዓለም፣ ኩሉ፣ ብርሃን፣ እዩ። “ቡሩክ፣ አንተ፣ ዘትሬኢ፣ ቀላያተ፣ ነቢረከ፣ ላዕለ ኪሩቤል” “ክርስቶስ ብርሃን፣ ዘአሰሰልከ፣ ጽልመተ፣ ላዕለ። ኪሩቤል፣ ነቢረከ፣ ዘትሬኢ፣ ቀላያተ፣ ስቡሕኒ፣ኣንተ፣ ወልዑል፣ ኣንተ፣ ለዓለም።” ዘሰለስቱ ደቂቅ።

ጐይታናን፣ መድሓኒናን ኢየሱስ፣ ክርስቶስ፣ ኣብ፣ ታሪኽ፣ ብሄረ፣ ኣግኣዚት፣ ክርስቶስ፣ ብዘመን፣ ባዚን፣ ንጉሥ፣ ኣብ፣ መበል 8ይ፣ ዘመነ፣ መንግስቱ፣ ክርስቶስ፣ ተወልደ፣ ብ5492 ዓ-ዓ፣ ይነግረና። እንተደኣ፣ ብፈረንጂ፣ ለዊጥናዮ 5500 እዩ። (ታሪኽ፣ ቤተ/ክን)

ከምቲ፣ ወለዲ፣ ንደቆም፣ ዝተወልድሉ፣ ዕለትን፣ ዓመተ ምሕረትን፣ ጽሒፎም፣ ዘመሓላልፍሎም፣ ቤተ ክርስቲያን`ውን፣ ከምኡ፣ እተተማራሚርና መዝገብ፣ ኣለዋ። ።

ነገሥተ፣ ተርሴስ፣ ወደሰያት፣ ኣምኃ፣ ያበውዑ፣

ነገሥተ፣ ሳባ፣ ወዐረብ፣ ጋዳ፣ ያመጽኡ፣

ወይሰግዱ፣ ሎቱ፣ ኵሎሙ፣ ነገሥተ፣ ምድር። መዝ፥71:10

”ነገሥታት፣ ተርሴስን፣ ደሴታትን፣ ገጸ፣ በረኸት፣ ኬቕርቡሉ፣ ነገሥታት፣ ሸባን፣ ሳባን፣ ድማ፣ ውህበታት፣ ኬምጽኡሉ፣ እዮም፣ ኩሎም፣ ነገሥታት፣ ከኣ ኺሰግዱሉ። ”መዝ፣ 71/72:10

ወርቂን ዕጣንን ከርቤን፣ ገጸ፣ በረኸት፣ ኣምጽእሉ፣ ወርቂ፣ ንንግሥንአቱ፣ ዕጣን፣ ንኽህነቱ፣ ከርቤ፣ ንመከራኡ፣ ዝገልጽ፣ ህያብ፣ ሒዞም፣ መጹ።

ልደት ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ

ስለዚ፣ እግዚአብሔር፣ ባዕሉ፣ ትእምርቲ፣ ኺህበኩም፣ እዩ፣ እንሆ፣ ድንግል፣ ክትጠንስ፣ ወዲ፣ ኸኣ፣ ኽትወልድ፣ እያ፣ ስሙውን፣ ኣማኑኤል፣ ኢላ፣ ኽትሰምዮ፣ እያ።ት፥ ኢሳ፡ 7:14

ሕጻን፣ ተወሊዱልና፣ ወዲ፣ ተዋሂቡና፣ እዩ፣ ንሱ፣ ኸኣ፣ ገዛኢና፣ ኪኸውን፣ እዩ። ንሱ፣ “ግሩም፣ መኻሪ፣ ብርቱዕ፣ ኣምላኽ፣ ዘለዓለማዊ፣ ኣቦ፣ መስፍን፣ ሰላም፣” ተባሂሉ፣ ኺጽዋዕ፣ እዩ። ት፥ ኢሳ፡ 9፡6

ዕጽውቲ፣ ኣፍደገ፣ እ/ሔር፣ ድማ፣ እዛ፣ ኣፍ፣ ደገ፣ እዚኣ፣ ዕጽውቲ፣ ትኹን። ት፥ሕዝቅኤል፥ 44:2

መብዛሕትኡ፣ መጽሓፍ፣ ክጸሓፍ፣ ከሎ፣ ብዘመን፣ ንጉሥ፣ እገሌ፣ ምባል፣ ልሙድ፣ እዩ። ጐይታና፣ መድሓኒና፣ ኢየሱስ፣ ክርስቶስ፣ ዝተወልደሉ፣ ድማ፣ ብንጉሥ፣ ሄሮድስ፣ ዘመን፣ እዩ፣ ነይሩ፣  ንጉሥ፣ ሄሮድስ፣ ን37, ዓመታት፣ዝነገሠ፣ ንጉሥ፣ እዩ፣ ነይሩ። እንተኾነ፣ ብዘመኑ፣ ሰማያዊ፣ ንጉሥ፣ ክርስቶስ፣ ተወልደ።

እቲ፣ ትንቢት፣ ምእንቲ፣ ክፍጸም፣ ወኣንቲኒ፣ ቤተ ልሄም፣ ምድረ፣ ኤፍራታ፣ ተባሂሉ፣ ዝተነግረ፣ ብነቢይ፣ ንኽፍጸም፣ ኣብ፣ ቤተ ልሄም፣ ተወልደ፣ ”ሚክያስ፣ 5፡2-5”

ሰብ ጥበብ፣ ላዕለዋይ፣ ወላዲኦም፣ “ዠረደሸት” ኣብ ጥቓ፣ ዓይኒ፣ ማይ፣ ተቐሚጡ፣ ጥበብ፣ ክመራመር፣ ከሎ፣ ሕጻን፣ዝሓቖፈት፣ ድንግል፣ ኣብ ሰሌዳ፣ ኮኾብ፣ ተሳኢላ፣ ረኣየ፣ እሞ፣ ጽሒፉ፣ ኣብ፣ ቤት፣ መዝገብ፣ ኣንበሮ፣ እዚ፣ ኮኾብ፣ እዚ፣ ምስዝረአ፣እቲ፣ ሰማያዊ፣ ንጉሥ፣ ከምዝተወልደ፣ ምልክት፣ ሃቦም። እሞ፣ ኬድኩም፣ ስገድሉ፣ ኢልዎም፣ ስለዝነበረ፡ በዚ፣ ምኽንያት፣ ብኮከብ፣ተመሪሖም፣ ናብ፣ ኢየሩሳሌም፣ መጹ።  እንበኣርከስ፣ እዛ፣ መዓልቲ፣እዚኣ፣ ሰብን፣ መላእክትን፣ ዘመስገኑላን፣ ኃይሊ፣ ኣምላኽ፣ እተገልጸላን፣ መዓልቲ፣እያ።

(ማቴ፣ 1፥18-25) ልደት፣ ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ከኣ፣ ከምዚ፣ እዩ። ኣዲኡ፣ ማርያም፣ ንዮሴፍ፣ ተሓጽያ፣ ከላ፣ ከይተቓረቡ፣(ከይተራኸቡ) ድንግልና፣ ሥግኣን ድንግልና፣ ሕሊናን፣ ከለዋ፣ ብግብሪ፣ መንፈስ፣ ቅዱስ፣ ጠኒሳ፣ ተረኽበት። ክርስቶስ፣ ልደቱ፣ እንበለ፣ ዘርእ፣ ከም፣ ዝኸውን፣ ዝገበረ፣ ስለምንታይ፣ እዩ፣ እንተበልና፣ ቀዳማይ፣ ልደት፣ ንምግላጽ፣ ማለት፣ ኃሙሽተ፣ ሽሕን፣ ኃሙሽተ፣ ሚኢትን፣ ዘመን፣ ኪፍጸም፣ ከሎ፣ ካብ፣ እግዝእትነ፣ ማርያም፣ ብዘይ ኣቦ፣ ምውላዱ፣ ቅድሚ፣ ዓለም፣ ካብ፣ እግዚኣብሔር፣ ኣብ፣ ብዘይ፣ ኣደ፣ ከምዝተወልደ፣ ዝገልጽ፣ እዩ። ንኣብነት፣ ከኣ፣ ኣዳም፣ ካብ፣ ሕቱም፣ ምድሪ፣ ከምዝተፈጥረ፣ ሄዋን፣ ድማ፣ ካብ፣ ሕቱም፣ ጐድኒ፣ ኣዳም፣ ከም፣ ዝተፈጥረት፣ (ዘፍ፥2:7፣ ማቴ፣ 2፡2፣ ተኣምረ፣ ማርያም ገጽ፣ 71, መበል 20, ንመልከት፣ ንዝያዳ፣ ሓበሬታ።)

ወ/ሉቃስ፥ 2:1-14፣ ኣብ፣ ጊዜ፣ ኣውቅስጦስ፣ ቄሳር፣ “ማለት፣ ሰጣጤ፣ ከርስ፣ ማለት እዩ።” ኣውቅስጦስ፣ ቅድሚ፣ ልደተ፣ ክርስቶስ፣ 27 ዓመት፣ ነጊሱ፣ ዝጸንሐን፣ ጐይታ፣ ብዘመኑ፣ ዝተወልደሉን፣ ቄሳር፣ እዩ። ዮሴፍ፣ ድማ፣ ካብ፣ ቤት፣ ዳዊትን፣ ካብ፣ ዓሌቱን፣ ስለዝነበረ፣ ካብ፣ ገሊላ፣ ካብ፣ ከተማ፣ ናዝሬት፣ ናብ፣ ይሁዳ፣ ቤተ ልሄም፣ እትበሃል፣ ከተማ፣ ደየቡ።

ከምቲ፣ ኣብ፣ ሉቃስ፣ ወንጌል፣ ተጻሒፉ፣ እንረኽቦ፣ ልደት ጐይታናን፣ መድሓኒናን ኢየሱስ፣ ክርስቶስ፣ ካብ፣ ቅድስት፣ ድንግል፣ ማርያም፣ኣብ፣ ቤተልሄም፣ ምስ፣ ተወልደ፣ ኣብታ፣ ምድሪ፣ እቲኣ፣ ተጊሆም፣ ማሎም፣ ክሕልዉ፣ ኣብ መሮር፣ ዝሐደሩ፣ ጓሶት፣ ነበሩ፣ እንሆ፣ መልኣኽ፣ እግዚኣብሔር፣ ኣብ፣ ኣብጥቖኦም፣ ደው፣ በለ። ክብሪ፣ እግዚአብሔር`ውን፣ ኣብ ዙርያኦም፣ ኣብርሀ።

ብጽዕቲትን ቅድስትን ድንግል ማርያም፣ ድማ፣ በለት፣ ነብሰይ፣ ንእግዚኣብሔር፣ ተዕብዮ፣ መንፈሰይ፣ ከኣ፣ ብኣምላኸይ፣ ብቲ፣ መድኃንየይ፣ ባህ፣ ይብሎ። ውርደት፣ ባርያኡ፣ ርእዩ፣ እዩ፣እሞ፣እንሆ፣ ኻብ፣ ሕጂ፣ ዂሎም፣ ወለዶ፣ ብጽዕቲ፣ ኺብሉኒ፣ እዮም። ወ/ ሉቃስ፡ 1፡46

ዮሐንስ፣ ከምዚ፣ ይብል፣ ብርሃን፣ ናብ፣ ዓለም፣ መጸ፣ ሰብ፣ ግን፣ ግብሮም፣ ክፉእ፣ እዩ፣ እሞ፣ ካብ፣ ብርሃን፣ ጸልማት፣ ፈተዉ። ክፉእ፣ ዝገብር፣ ዘበለ፣ ብርሃን፣ ይጸልእ፣ እዩ፣ እሞ፣ ምእንቲ፣ ግብሩ፣ ከይግለጽ፣ ኣብ፣ ብርሃን፣ ኣይመጽእን። እቲ፣ ሓቂ፣ ዚገብር፣ ግና፣ ብኣምላኽ፣ እተገብረ፣ እዩ፣ እሞ፣ ግብሩ፣ ምእንቲ፣ ኪግለጽ፣ ናብ፣ ብርሃን፣ ይመጽእ። ወ/ዮሐንስ፣ 3: 19/1ዮሐንስ 1:5-7

ብርሃን፣ ጐይታናን፣ መድሓኒናን ኢየሱስ፣ ክርስቶስ፣ እዩ። ብርሃን፣ ሓቅን፣ ቅንዕነትን፣እዩ። ብርሃን፣ ተጸጊዑ፣ ዝኸይድ፣ ኩሉ፣ ኣይዕንቀፍን፣ ሕይወቱ፣ ከኣ፣ ብርሃን እዩ። ኣሕዋተይ፣ ኩልና፣ ደቂ፣ ብርሃን፣ ኢና፣ እምበር፣ ኣብ፣ ጸልማት፣ ኣይኮናን፣ ዘለና።

በዚ፣ ዘለናዮ፣ ክፍለ፣ ዘመን፣ ግን፣ ደቂ፣ ኣዳም፣ ካብ፣ ብርሃንሲ፣ጸልማት፣ ክመርጹ፣ ንርኢ፣ ኣሎና።

ምስኡ፣ ሕብረት፣ ኣሎና፣ እንዳበልና፣ እሞ፣ ኣብ፣ ጸልማት፣ እንተተማላለስና፣ ደቂ፣ ብርሃን፣ ኣይኮናን። ስለዚ ምምልላስና ብብርሃን፡ ስምና`ውን ደቂ ብርሃን ክኸውን ተጊህና ንጽዓር።

ርሑስ በዓል ልደት ይግበረልና።

Events

< 2024 >
May 13 - May 19
  • 13
    No events
  • 14
    No events
  • 15
    No events
  • 16
    No events
  • 17
    No events
  • 18
    No events
  • 19
    No events

ደብረ ሳህል ቅዱስ ሚካኤልን አቡነ አረጋዊን ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤ/ክ ለንደን

78 Edmund Street
London SE5 7NR

Phone: (0044) – 020 7703 5147
E-mail: admin@debresahl.com