News & Events

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ብዘውጽኦ ንሕማም Corona-virus ዝምልከት እዋናዊ መምርሒ፡ መሰረት ብምግባር ነዚ ዝስዕብ መልእኽቲ ነመሓላልፍ፥ ኩሉ ኣባል ኣገልግሎት ንምርካብ ናብ ቤተ-ክርስቲያን ክመጽእ ምስዝደሊ ኣቐዲሙ/ማ ደዊሉ/ላ ክምዝገብ ከምዘለዎ ንሕብር። ኣገባብ ምዝገባ – ሰሙናዊ ካብ ረቡዕ – ዓርቢ (6:00 ድ.ቀ. – 8:00 ድ.ቀ.) ገብረህይወት     07961610033ቢንያም             07449533129ዳንኤል              07460229977ዓንዶም             07480535113ኩላትና ኣባላትን ምእመናን ኣብ ቤተክርስቲያን ከምኡ`ውን ኣብ ከባቢና ኣብ ንጸንሓሉ እዋን ናይ ኣፍ ሽፋን (Face Mask) ክንገብር ከምዘለና ከምኡ`ውን ናይ 2 ሜትሮ ርሕቀት ክንሕሉን ከነኽብርን ብኣኽብሮት ነዘኻኽር።ቆልዑን ህጻናትን ብዘይካ ንቅዱስ ቁርባን ዝተመዝገቡ ካልኦት ኩሎም ደቅና ብኢንተርነት (Online) ክከታተሉን ክመሃሩን ንምሕጸን። ልዑል እግዚኣብሔር ኣምላኽና ፈውሰ ምሕረቱ ልኢኹ፡ ንመላእ ዓለም ሰላም የውርደልና። ኣባላት ሰበካ ጉባኤ ደብረ ሳህል ቅዱስ ሚካኤልን አቡነ አረጋዊን ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስቲያን ኣብ ለንደን መስከረም 2020

CoronaVirus Guidance – III

Posted on July 4, 2020
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ሰላም እግዚኣብሔር ምስ ኩላትና ይኹን እናበልና፡ ናይዚ ወሪዱና ዘሎ ፈታንን ጽንኩርን ናይ ሕማም ኩነታት ዝለዓለ ጥርዙ ሓሊፉ ኣብ ዝሓሸ እዋን በጺሕናሉ ኣብ ዘለና ግዜ፤ ብመሰረት መምርሒ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ነዚ ዝስዕብ መልእኽቲ ክንሕብር ንፈቱ። ቤተ ክርስቲያንና ደብረ ሳህል ቅዱስ ሚካኤልን ኣቡነ ኣረጋዊን ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤ/ክ ኣብ ለንደን ካብ ጽባሕ ሰንበት 05/07/2020 ጀሚርና ስሩዕ ኣገልግሎትና ንህዝብና ከፊትና ከምዘለና ከነበስር ንፈቱ።እንተኾነ ኩሉ ኣገልግሎትና ብውሱን ዓቕምን ድሩት ቦታን ስለዝኾነ፥ ዝኾነ ምእመናን ንቤተክርስቲያን ቅድሚ ምምጻእኩም ኣቀዲምኩም ክትምዝገቡ (Book ክትገብሩ) ብጥብቂ ንሕብር፥ እዚ ድማ ብቐጥታ ንካህናት ብምድዋል ክግበር ይከኣል።ውሕስነት ህጻናትን ደቅናን ንምሕላው፤ ህጻናትን መንእሰያትን ኩሉኹም ንግዚኡ ከምቀደምኩም ኣብ ገዛኹም ኮይንኩም ብኢንተርነት (Internet) ክትከታተሉና ንሕብር።ኣብ ቤተክርስቲያን ዝመጻእና ኩልና ድማ፡ ኩሉ ጊዜ ግቡእ ርሕቀትናሓሊናክንመላለስን ክንቅመጥን ይግባእ።ንድሕነትናን ውሕስነትናን ከሉ ጊዜ ናይ ገጽሽፋን (Face Mask) ክንጥቀም ከምዘሎና ነዘኻኽር።ኩላትና ምስ ናይ ቤተክርስቲያና ናይ ጸጥታ ዝተመደቡ ኣባላት ብዝተኻእለ መጠን ክንተሓባባር ንላቦ። ዝኾነ ሓድሽ ሓበሬታ ምስዝህልወና ኣብ ዝቕጽል ክንሕብረኩም ምዃና ነፍልጥ። ልዑል እግዚኣብሔር ኣምላኽና ምሕረቱ ኣብዚሑ ፈውሲ ይልኣኸልና፥ ጾምናን ጸሎትናን ተቐቢሉ ብሰላም ይሓልወና፥ ኣሜን። ደብረ ሳህል ቅዱስ ሚካኤልን ኣቡነ ኣረጋዊን ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤ/ክ ኣብ ለንደን 04 ሓምለ  2020 In The Name of The Father, The Son and The Holy Spirit, One God Amen. Greetings in The Lord’s Name. Firstly, we pray the safety and mercy of our Lord dwell in your households. We also pray for those directly and indirectly affected by the pandemic. Following the Government’s latest announcement and guidance for Worship Places, we’re pleased to resume our regular Church services as of Sunday the 5th July 2020, but with limited capacity and following social distancing rules strictly. Therefore, Since we can only allow limited worshipers, anyone wishing to participate in the Mass service will be required to book their place in advance. (This can be done by directly phoning our priests).For the safety and wellbeing of our Children; all Youth and Sunday School Services will temporarily remain suspended. All children and youth are advised to participate our Mass service through online means (Youtube and Facebook accounts).Those attending services by booking their spot will strictly be required to:Follow a 1-metre seating arrangement and sit on the assigned seat.Wear a face mask. (Please remember to bring your own masks).Avoid hand shaking, kissing and hugging.Bring their own bag to place their shoes.Keep physical distance upon entering and leaving the Church as well as exit using the directions provided. *Please remember to stay at home if you are not feeling well even after speaking to our priests. All updates and information will be posted on our website. St. Michael’s Eritrean Orthodox Community Church in London Management Committee 04 July 2020

CoronaVirus Guidance – II

Posted on April 11, 2020
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ሰላም እግዚኣብሔር ምስ ኩላትና ይኹን እናበልና፡ ኣብዚ ኣዝዩ ፈታንን ጽንኩርን ጊዜ ኩሉኹም ምእመናን ብጾምን ጸሎትን ኩሉ ኣምልኾ ተዋህዶ እምነትና ተጊህኩም ክትህልዉ ተስፋ እንዳገበርና ነዚ ዝስዕብ መልእኽቲ ክንሕብር ንፈቱ። እምበኣርከስ ጾመ ኣርብዓ ወዲእና በዓለ ትንሳኤ እነብዕለሉ ዕለት እናቐረበ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ ግዜ ቤተ ክርስትያንና ቅዱስ ሚካኤልን ኣቡነ ኣረጋዊን ለንደን ከምዚ ዝስዕብ መደብ ሰሪዕና ከምዘለና ንሕብር። ካብ ጽባሕ ሰንበት ዕለተ ሆሳእና (ዕለት 12/04/2020 ወይ 04/ሚያዝያ/2012 ዓ/ም ግእዝ) ጀሚሩ፡ ምሉእ ሰሙነ ሕማማት ክሳዕ ፋሲካ ዘሎ ግዜ ኩሉ  እንገብሮ ስርዕተ ኣምልኾን ቅዳሴን ብዘሎና ናይ ማሕበራዊ መርበብ ሓበሬታ ፡ ማለት ፌስቡክ ፡ ብቐጥታ ክፍኖ ወይ ከነመሓላልፍ ምዃንና ንሕብር ( ነዚ ንምክትታል አብ Facebook: Felegeselam St Michael London ኢልኩም ድለዩ https://www.facebook.com/profile.php?id=100010186388726 )። ስለዚ ኩልና ምእመናን ኣኣብ ቤትና ኮይና ብኢንተርነት ክንከታተልን ዝወሃበና ትምህርቲ ክንቅበል፡ ዝወሃቡና መዓልታዊ ንባባት ከነንብብ፡  ከምኡውን ዝተሰርዓልና ስርዓተ ኣምልኾ እምነትና ብንጽሕና ከነተግብር ንምሕጸን። ብተወሳኺ ብመሰረት ጽኑዕ መምርሒ መንግሲቲ ዓባይ ብርጣንያ ከምኡውን  ንኡስ ሃገረ ስብከት ብዝእዝዞ መሰረት፡ ንውሕስነትን ድሕነትን ምእመናንና፡ ናብ ቤትክርስትያና ብኣካል ምምጻእ ፍጹም ኩልኩል ምዃኑ ኣጽኒዕና ነዘኻኽር። ዝኾነ ሕቶ ምስ ዝህልወኩም ወይ ሓበሬታ ምስ እተደልዩ ካብ ናይ ኣገልግሎት ሰዓታት ወጻኢ ምስ ኣቦታት ካህናት ከምኡ ድማ ኣባላት ሰበካ ጉባኤ ብምድውዋል ግቡእ ሓበሬታ ምርካብ ከምዝከኣል ንሕብር። ልዑል እግዚኣብሔር ኣምላኽና ንህዝብናን ንመላእ ዓለምን ጥዕናን ምሕረትን የውርደልና፡ ናብ ብርሃነ ትንሳኤኡ ብሰላም የብጽሓና። እግዚኣብሔር ምስ ኩልና ይኹን። ደብረ ሳህል ቅዱስ ሚካኤልን ኣቡነ ኣረጋዊን ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤ/ክ ኣብ ለንደን ሚያዝያ 2020

CoronaVirus Guidance

Posted on March 25, 2020
እምበኣርከስ ኣታ ህዝበይ: ኪድ: ናብ ሕልፍኚኻ እቶ:: ማዕጾኻ ድማ ብድሕሬኻ ዕጾ: ቁጥዓ ኽሳብ ዚሓልፍ ንቕሩብ ግዜ ተሓባእ:: ኢሳ 26:20 በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ዝኸበረኩም ምእመናን። ኣብ ዘዘለኹሞ ሰላምን ምሕረት ኣምላኽን ምሳኹም ክኸውን እናተመነና፤ ምስዚ ኣብ ዙርያና ሰፊሩ ዘሎ ሕማም ኮሮናቫይረስ ኣመልኪትና ነዚ መልእኽቲ ነመሓላልፍ። ብመሰረት ኣዋጅን: ትእዛዝን መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ : ቤተክርስቲያና ደብረ-ሳህል ቅዱስ ሚካኤልን ኣቡነ ኣረጋዊን ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤ/ክ ኣብ ለንደን: ካብ ሎሚ መዓልቲ ረቡዕ 25/03/2020 ጀሚርና ምሉእ ብምሉእ ኣገልግሎትና ንምእመናን ንእዋኑ ደው ከምዘበልና ክሕብረኩም ንፈቱ። ዝኾነ ዘድልየና ውልቃዊ፥ መንፈሳውን ካልእን ጉዳይ ምስ ዝልወና ምስ ካህናት ብምድውዋል ግቡእ ሓበሬታ ክወሃበና ከምዝከኣል እናሓበርና:: ኣብዚ ጽንኩርን ፈታንን ግዜ ኩላትና ህዝበ ክርስትያን ኣብ ቤትና ኮይና ብጸሎት፣ ጾምን ምህለላን ኣዚና ክንተግህ ብስም እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንላቦ:: ስለዚ ዝኾነ ሓድሽ ምዕባለ ወይ ሓበሬታ ምስዝህልወና ደጊምና ክንሕብረኩም ምዃና ነፍልጥ:: የቐንየልና፣ ልዑል እግዚኣብሔር እምላኽና ምሕረቱ ካብ ሰማይ ይልኣኸልና። ሰበካ ጉባኤ ደ/ሳ/ቅ/ሚካኤልን ኣቡነ አረጋዊን ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤ/ክ ኣብ ለንደን ዓ.ብ. Go, my people, enter your rooms and shut the doors behind you; hide yourselves for a little while until his wrath has passed by. Isaiah 26:20 In The Name of The Father, The Son and The Holy Spirit, One God Amen. Greetings in The Lord’s Name. Firstly, we pray the safety and mercy of our Lord dwell in your household. We also pray for those directly and indirectly affected by the pandemic. Following the Government’s announcement of 23rd March, requiring places of worship to be closed. As of today the 25th March, our Church will be closed both for private worship and public services and all other meetings and activities until further notice.  We are aware this is a very difficult time and will prompt a number of further questions, if there are any vital personal services needed we advice you to phone our priests and receive the required appropriate guidance.  We are working to find creative ways of staying in touch with those who are isolated and vulnerable and to give them spiritual support through the means of technology and also practical support as far as possible.  We finally, urge you to keep fast in prayers and fasting, until we receive the mercy of The Lord. All updates and information will be posted on our website. St. Michael’s Eritrean Orthodox Community Church in London Management Committee GP – Corona-virus GuidanceDownload

Christmas Celebration 2020

Posted on January 4, 2020
“Glory to God in the highest, and on earth peace, good will toward men.” “ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ፡ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት” Luke/ ሉቃ 2:14 This year’s Christmas will be celebrated at: St. Giles Church Camberwell Church Street SE5 8RB Church doors will be open on Monday night from 7pm till mass service @ Midnight. Wishing you a Merry christmas and prosperous year 2020!

Events

< 2024 >
April 27 - May 03
  • 27
    No events
  • 28
    No events
  • 29
    No events
  • 30
    No events
  • 01
    No events
  • 02
    No events
  • 03
    No events

ደብረ ሳህል ቅዱስ ሚካኤልን አቡነ አረጋዊን ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤ/ክ ለንደን

78 Edmund Street
London SE5 7NR

Phone: (0044) – 020 7703 5147
E-mail: admin@debresahl.com