News & Events

እንቋዕ ናብ ናይ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱስ ኣምላኽና ብሰላም ኣብጽሓና እናበልና፡ ቅድስቲ ቤተ-ክርስቲያንና ነዚ ዓቢይ በዓል ብክብ ዝበለ ስነ-ስርዓት ከተብዕሉ ተዳልያ ምህላዋ እናሓበርና። ናይ`ቲ እተፍቅርዎን እተኽብርዎን ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል በረኸት ንኽትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድም። ቀዳም 23/11/2019 ሥርዓተ ማህሌት፡ ቅዳሴን ዑደትን ካብ ሰዓት 2 ቅ/ቀ St. Giles Church Camberwell Church Street London SE5 8RB ኣደራሽ – Hall Harris Academy Bermondsey 55 Southwark Park Rd, Bermondsey, London SE16 3TZ

ደብረ ታቦር

Posted on August 17, 2019
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ! ዓመት መጸ፡ 13 ነሓሴ በዓል ደብረ ታቦር ይኽበር። ኣብ’ዚ ዕለት’ዚ ሕዝበ ክርስቲያን ብቅዳሴን ውዳሴን ስብሐተ ማኅሌትን ጸሎተ ሰዓታትን፡ ብዝተፈላለየ ትውፊታዊ ሥርዓታትን የብዕልዎ።  ደብረ ታቦር፦ ኣብ ምድረ እስራኤል፡ ካብ ባሕሪ ገሊላ ንሸነክ ምዕራብ ዝርከብ እምባ እዩ። ቅዱስ ወንጌል (ማቴ. 17፡1-13) ከም ዝነግረና፡ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ነቶም ኣዕኑድ ቤተ ክርስቲያን ዝበሃሉ ሠለስተ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ዝኾኑ ቅዱስ ጴጥሮስን ደቂ ዘብዴዎስ ቅዱስ ያዕቆብን ቅዱስ ዮሓንስን ኣኸቲሉ ናብዚ እምባ እዚ ምስ ደየበ፡ ኣምላኽነቱ ንምግላጽ ኣብ ቅድሚኦም ክዳኑ ከም በረድ ፃዕደወ፡ ገጹ’ውን ከም ፀሓይ በርሀ። ክልተ ካብ ቅዱሳን ነቢያት ሙሴን ኤልያስን ተገሊጾም ምስኡ ተዘራረቡ። ነቢይ ሙሴ፡ ‘ንኣኻ ኣምላከ ሙሴ ይብሉኻ እምበር ከመይ ኢሎም ሙሴ ኢኻ ይብሉኻ’ በሎ። ነቢይ ኤልያስ’ውን ‘ንኣኻ ኣምላከ ኤልያስ ይብሉኻ እምበር ከመይ ኢሎም ኤልያስ ወይ ድማ ሓደ ካብ ነቢያት ይብሉኻ’ ብምባል መስከረ። ነቢይ ሙሴ ብሕጊ መውስቦ እናነበረ ዝኃለፈ ነቢይ’ዩ። ነቢይ ኤልያስ ግና ብድንግልናን ብምናኔን እናነበረ ዝዓረገ ኣቦ እዩ። ስለምንታይ ክልቲኦም ተገልጹ፡ ካልኦት ዘይኮኑ፧ እንተበልና ቤተ ክርስቲያን ብመርዓ ኮነ ብድንግልና ናይ ዝነብሩ ሕዝበ ክርስቲያን ቤት ምዃና ንምግላጽ እዩ። ቅዱስ ጴጥሮስ ተንሢኡ “ኦ ጐይታ ንኣና ኣብዚ ምንባር ጽቡቕ እዩ። ትፈቱ እንተኴንካስ ኣብዚ ሠለስተ ዳስ ክንሠርሕ። ሓደ ንኣኻ፡ ሓደ ንሙሴ፡ ሓደ’ውን ንኤልያስ” እናበሎ ከሎ ብሩህ ደመና ጐልበቦም። ካብቲ ደመና ድማ እግዚአብሔር አብ፦ “ዘፍቅሮ ብእኡ ዝሠመርኩ ወደይ እዚ እዩ፡ ንእኡ ስማዕዎ” ኢሉ መስከረ። ቅዱሳን ሓዋርያት ነዚ ሰሚዖምን መለኮታዊ ክብሩ ርእዮምን ብግንባሮም ተደፊኦም እናፈርሁ ሰገዱ፡ ብኣምላኽነቱ ኣመኑ፡ ምሥጢር’ውን ተረድኡ።  ኣብዚ እምባ’ዚ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግርማ መንግሥቱን ምሥጢረ መለኮቱን ዝገለጸሉ ዕለት፡ ዓመት መጽአ ‘በዓለ ደብረ ታቦር’ እናተባህለ ይኽበር ኣሎ።  ደብረ ታቦር ብቤተ ክርስቲያን ይምሰል እዩ። ኣብ ዝባን ደብረ ታቦር ኴንካ፡ ብላዕለዋይ ወገን ዓበይትን ገዘፍትን እምባታት ይርኣዩ። ናብ ታሕታዋይ ወገን ከኣ ጐልጐልን ስንጭሮን ይርኣዩ። ብተመሳሳሊ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ጸኒዑ ዝነብር ሰብ፡ ኣብኡ ኾይኑ ንኽብሪ መንግሥተ ሰማያት ይርኢ፡ ከምኡ’ውን ንታሕቲ ገጹ፡ ምረት ገሃነመ እሳት ይዕዘብ። እቶም ሃይማኖትን ምግባርን ናብ ቤተ ክርስቲያን ዝደየቡ ቅዱሳን፡ ምእንቲ መንግሥተ ሰማያት ኢሎም ጸብኢ ኣጋንንቲ ተዓጊሦም ደሞም ዘፍስሱ ክብራ ስለዝረኣዩ እዮም። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ስቓይ እዚ ዘመን’ዚ ነቲ ኣባና ክግለጽ ዘሎ ክብሪ ከምዘይመዓራረዮ እኣምን እየ” ይብል። ሮማ 8፥18። ቅዱስ ኤፍሬም’ውን ‘’ሰማዕታት ከዐው ደሞሙ በእንተ እግዚኣብሔር ወተዓገሡ ሞተ መሪር በእንተ መንግሥተ ሰማያት/ ሰማዕታት ምእንቲ እግዚኣብሔር ደሞም ኣፍሰሱ፡ ምእንቲ መንግሥተ ሰማያት ኢሎም’ውን መሪር ሞት ተዓገሡ።” ይብል። (ውዳሴ ማርያም ዘኃሙስ)። ስለ’ዚ ጣዕሚ መንግሥተ ሰማያትን ምረት ገሃነመ እሳትን ኺንርኢ፡ ናብታ ካብ ዓለም ልዕል ዝበለት ቤተ ክርስቲያን ንደይብ። ምስትውዓል ሂባ ንኸተበርትዓና ወትሩ ደወላ ምስ ኣስመዐትን ኣፍ ደገኣ ምስ ኣርሓወትን እያ።  ባርቅን ዲቦራን ንሲሳራ ዝሰዓርሉ፡ ዝተዓወትሉ እምባ ደብረ ታቦር እዩ። (መሳ. 4፡4) ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ድማ ናይ ደብረ ታቦር ምሳሌ ብምዃና ናይ ዓወት መድረክ እያ። ናብአ ዝመጸ፡ መንፈሳዊ ኃይሊ ረኺቡ ብጾምን ጸሎትን ንሰይጣን ይስዕር። ኤፌ. 6፥12 ደብረ ታቦር፡ ጽንዓት ዝሓትት ተሪር ዓቀብ ኣለዎ፡ ነዚ ዓቐብ ምስ ደየብካ ግና ጐልጐል እዩ። ናብዚ እምባ’ዚ ብብዙኅ ጻዕርን ድኻምን ዝደየበ ሰብ ፡ ኣብዚ ሜዳ’ዚ ምስ በጽሐ ደስታን ሩፍታን ይስምዖ። ድኻሙ’ውን ይርስዖ። ብተመሳሳሊ ቤተ ክርስቲያንና’ውን ጹሙን ጸልዩን ስለ እትብል ንጊዜኡ ንብዙኃት ሰባት ንኺቀርብዋን በረከታ ኺሳተፉን ዓቀበት ትኾኖም። ኣጸቢቆም ምስ ቀረብዋ ግና ናይ ፍርሒ መንፈስን ኣወጊዳ ክፍኣት ዘይብሉ ህዱእ መንገድን ሰላምን ትህቦም። ንመንግሥተ ሰማያት ክንኣትዋ ዝግብኣና ብብዙኅ ጸበባ ምዃኑ’ውን ሓዋርያት ኣስተምሂሮም እዮም። ግብ. ሓዋ. 14፡22 ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብ ደብረ ታቦር መለኮታዊ ክብሩ ክገልጽ ከሎ ክልተ ካብ ነቢያት፣ ሠለስተ ድማ ካብ ሓዋርያት ተረኺቦም ነበሩ። ደብረ ታቦር ብሓድነት ኣቦታት ብሉይን ሓዲስን ኪዳን ኣአንጊዳ። ቤተ ክርስቲያንና’ውን ብሉይን ሓዲስን ይስበኸላ። ትንቢት ነቢያት ምስ ስብከተ ሓዋርያት ይንገረላ። ንሓዲስ ኪዳን ካብ ብሉይ ኪዳን ኣይትፈልን። ከመይ! ጐይታ “ኣነ ንሕጊን ነቢያትን ክፍጽሞም ደኣ እምበር ክስዕሮም ኣይመጻእኩን” ከምዝበለ። (ማቴ. 5፥17) ኣብ ደብረ ታቦር ናይ እግዚኣብሔር ሓድነትን ሠለስትነትን ተገሊጹ እዩ። ቤተ ክርስቲያንና’ውን ንደቂ ሰባት ከም መጠን ኣእምሮኦም ምሥጢረ ሥላሴ ትምህር። ስለዚ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና በዝን ብኻልእን ምሳሌን ደብረ ታቦር ብምዃና ቅዱስ ጴጥሮስ “ንኣና ኣብዚ ምንባር ጽቡቕ እዩ” ከምዝበለ፡ ንሕና ድማ ነዚ ቃል ወትሩ ንድገሞ፡ ካብኣ ከይንርሕቕ ድማ ቃል ንእቶ። ናይ’ዚ ዕለት በረኸት ተኻፈልቲ ኺንከውን፡ ምሥጢር ደብረ ታቦር ኺግለጸልናን ብርሃኑ ንምርኣይ ኺንበቅዕን ሎሚ ሕጂ ናብ ደብረ ታቦር ቤተ ክርስቲያን ብጐደና ሃይማኖትን ሥነ ምግባርን ንደይብ። እግዚኣብሔር ኣምላኽና ቅዱስ በዓል ይግበረልና! ስብሐት ለእግዚአብሔር፡ወለወላዲቱ ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር አሜን! ምንጪ – lisantewahdo.org

Summer Trip to Camber Sands

Posted on August 10, 2019

Holy Week & Easter 2019

Posted on April 20, 2019

Smooth Transition of Board of Trustees

Posted on April 20, 2019
We are pleased to announce the smooth and successful transition of the Eritrean Orthodox Christian (Debre Sahl St. Michael’s) Community Church (EOCCC)’s board of trustees. The new seasoned members of The Board of Trustees appointed on the 16th of February 2019 have conducted several meetings with the Management Committee members and Admin staffs before this official transition process. The whole process was to ensure effective transition and enhance solid and wider understanding of the congregation and governance in light of the constitution and applicable regulations. Our church and community administrator and members of the Management Committee profoundly thanked the ex-board of trustees for their tireless dedication and achievements during their spell as members of The Board of Trustees. The EOCCC believe that this was special but also historic milestone in the governance of the Community Church, the whole congregation is looking forward to work together for the bright future of the Eritrean community in UK. The official transition took place on the 13th of April 2019 at our Church office. The new members of The Board of trustees are due to be introduced to the members of EOCCC in the coming weeks.

Events

< 2024 >
May 11 - May 17
  • 11
    No events
  • 12
    No events
  • 13
    No events
  • 14
    No events
  • 15
    No events
  • 16
    No events
  • 17
    No events

ደብረ ሳህል ቅዱስ ሚካኤልን አቡነ አረጋዊን ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤ/ክ ለንደን

78 Edmund Street
London SE5 7NR

Phone: (0044) – 020 7703 5147
E-mail: admin@debresahl.com