CoronaVirus Guidance – II

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ሰላም እግዚኣብሔር ምስ ኩላትና ይኹን እናበልና፡ ኣብዚ ኣዝዩ ፈታንን ጽንኩርን ጊዜ ኩሉኹም ምእመናን ብጾምን ጸሎትን ኩሉ ኣምልኾ ተዋህዶ እምነትና ተጊህኩም ክትህልዉ ተስፋ እንዳገበርና ነዚ ዝስዕብ መልእኽቲ ክንሕብር ንፈቱ።

እምበኣርከስ ጾመ ኣርብዓ ወዲእና በዓለ ትንሳኤ እነብዕለሉ ዕለት እናቐረበ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ ግዜ ቤተ ክርስትያንና ቅዱስ ሚካኤልን ኣቡነ ኣረጋዊን ለንደን ከምዚ ዝስዕብ መደብ ሰሪዕና ከምዘለና ንሕብር።

ካብ ጽባሕ ሰንበት ዕለተ ሆሳእና (ዕለት 12/04/2020 ወይ 04/ሚያዝያ/2012 ዓ/ም ግእዝ) ጀሚሩ፡ ምሉእ ሰሙነ ሕማማት ክሳዕ ፋሲካ ዘሎ ግዜ ኩሉ  እንገብሮ ስርዕተ ኣምልኾን ቅዳሴን ብዘሎና ናይ ማሕበራዊ መርበብ ሓበሬታ ፡ ማለት ፌስቡክ ፡ ብቐጥታ ክፍኖ ወይ ከነመሓላልፍ ምዃንና ንሕብር ( ነዚ ንምክትታል አብ Facebook: Felegeselam St Michael London ኢልኩም ድለዩ https://www.facebook.com/profile.php?id=100010186388726 )።

ስለዚ ኩልና ምእመናን ኣኣብ ቤትና ኮይና ብኢንተርነት ክንከታተልን ዝወሃበና ትምህርቲ ክንቅበል፡ ዝወሃቡና መዓልታዊ ንባባት ከነንብብ፡  ከምኡውን ዝተሰርዓልና ስርዓተ ኣምልኾ እምነትና ብንጽሕና ከነተግብር ንምሕጸን።

ብተወሳኺ ብመሰረት ጽኑዕ መምርሒ መንግሲቲ ዓባይ ብርጣንያ ከምኡውን  ንኡስ ሃገረ ስብከት ብዝእዝዞ መሰረት፡ ንውሕስነትን ድሕነትን ምእመናንና፡ ናብ ቤትክርስትያና ብኣካል ምምጻእ ፍጹም ኩልኩል ምዃኑ ኣጽኒዕና ነዘኻኽር።

ዝኾነ ሕቶ ምስ ዝህልወኩም ወይ ሓበሬታ ምስ እተደልዩ ካብ ናይ ኣገልግሎት ሰዓታት ወጻኢ ምስ ኣቦታት ካህናት ከምኡ ድማ ኣባላት ሰበካ ጉባኤ ብምድውዋል ግቡእ ሓበሬታ ምርካብ ከምዝከኣል ንሕብር።

ልዑል እግዚኣብሔር ኣምላኽና ንህዝብናን ንመላእ ዓለምን ጥዕናን ምሕረትን የውርደልና፡ ናብ ብርሃነ ትንሳኤኡ ብሰላም የብጽሓና።

እግዚኣብሔር ምስ ኩልና ይኹን።

ደብረ ሳህል ቅዱስ ሚካኤልን ኣቡነ ኣረጋዊን ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤ/ክ ኣብ ለንደን

ሚያዝያ 2020

Events

< 2024 >
April 27 - May 03
  • 27
    No events
  • 28
    No events
  • 29
    No events
  • 30
    No events
  • 01
    No events
  • 02
    No events
  • 03
    No events

ደብረ ሳህል ቅዱስ ሚካኤልን አቡነ አረጋዊን ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤ/ክ ለንደን

78 Edmund Street
London SE5 7NR

Phone: (0044) – 020 7703 5147
E-mail: admin@debresahl.com