The Eritrean Orthodox Church

The six Oriental Orthodox Churches — Eritrean, Coptic, Syrian, Armenian, Ethiopian and the (Indian) Malankara — are in communion with each other and are also called ancient Oriental, lesser Eastern, and pre- or ante-Chalcedonian churches. They are the churches of the first three ecumenical councils (Nicea, Constantinople and Ephesus) and do not accept Chalcedon (451).

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ታሪክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ብክቡር ደም ክርስቶስ ዝተመሥረተት ኣብ ትንቢት ነቢያትን ስብከት ሓዋርያትን ትምህርቲ ሊቃውንትን ዝተሓንፀት ጥንታዊት ቤተ ክርስቲያን እያ። ቅድሚ እምነተ ክርስቶስ ምቕባላ ብሕገ ኦሪት ትምራሕ ብኣምልኮተ እግዚአብሔር ትኣምን ነበረት። (ግብ. 8፡26-28) ኣብ ዘመነ ሓዲስ ድማ ድኅሪ ልደተ ክርስቶስ ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን፡ እቲ ስሉብ በዓል ሥልጣን ብሰሜናዊ ጫፍ ኣቢሉ ናብ ሃገርና እምነተ ክርስትና ኂዙ ኣተወ። (ግብ. 8፡26)

ኣብዚ ኤርትራ እትርከበሉ ሰፊሕ ምድረ ኣግዓዚ ቅዱሳን ሓዋርያት በብጊዜኡን በብቦታኡን ወንጌል ኣስተምሂሮም ከምዝኸዱ ይንገር’ዩ። ሰፊሕ ምንቅስቃስ ንግዲ ዓለም ዝካየደላ ዝነበረት ጥንታዊት ወደብ ሃገርና ኣዱሊስ’ውን፡ ኣብተን ቀዳሞት ዘመነ ክርስትና መካናተ ጸሎት ዝነበሮ ኣፍ ደገ ክርስትና ምንባራ’ውን ይፍለጥ።

ኣብ 328 ዓ.ም. ድማ ኣቡነ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ናብ ግብጺ ኸይዱ ብዛዕባ እምነት ምድረ ኣግዓዚ ብዘሓበሮ መሠረት፤ ካብ መበል 20 ናይ እስክንድርያ ሊቀ ጳጳሳት ቅዱስ ኣትናቴዎስ ሓዋርያዊ ቀዳማይ ጳጳስ ምድረ ኣግኣዚ ኮይኑ ድኅሪ ምሻሙ፡ ብወደብ ማርሳ ተኽላይ ናብ ሃገርና ኣትዩ፡ ኣብ ደብረ ሲናን ከባቢኡን እምነት ክርስትና ትምህርተ ወንጌል ዘርግሐ፣ ኣብዚ ቅዱስ ቦታ’ዚ ውን ንነገሥታት ኣብርሀን ኣጽብሐን ኣጥመቐ፣ ኣገልገልቲ ካህናት እናሾመ፣ ኣብያተ ክርስቲያናት እናሓነፀ፣ ንዋያተ ቅዱሳት እናሃበ ሓዋርያዊ ተልእኾኡ ብቀዳምነት ኣብ ኤርትራ እናተዘዋወረ ኣስፋሕፍሐ።

ኣብ 4ይ ክፍለ ዘመን ኣቡነ ሰላማ ቀዳማይ ጳጳስ ቤተ ክርስቲያን ሓበሻ ኮይኑ ካብ ዝመጽእ ጀሚሩ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ላዕለዎት መዓርጋትን ምሥጢራትን ብዝምልከት ካብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት (ፖፕ) ዘእስክንድርያ ወፓትርያርክ ዘመንበረ ማርቆስ ብዝቕብኡን ብዝለኣኹን ግብጻውያን ጳጳሳት ትምራሕ ነይራ። ካብ 1959 ዓ.ም.ፈ. ጀሚሩ ግና ቤተ ክርስቲያን ሓበሻ ናይ ባዕላ ፓትርያርክ ኪህልዋ ድኅሪ ምውሳኑ በዚ መንገዲ’ዚ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ምስ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብሓባር ኪትካየድ ጸኒሓ።

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ኣብ ዝኃለፈ 1700 ዓመታት ኣብ ሓዋርያዊ ጕዕዞኣ ዘጓነፍዋ ተረርትን ገዘፍትን ባዕዳዊ ጐንጽታት ብኃይሊ እግዚአብሔር እናሰገረት ኣብ ወሳኒ መድረኽ በጽሐት። ኣብዘን መዋዕላት’ዚአን ከኣ ኣብ ምሉእ ሃገርና ስብከት ወንጌል ተዘርግሐ፡ በብዘመኑ ከኣ ብቍጽሪ ብዙኃት ገዳማት ተገደማ፡ ኣድባራት ኣብያተ ክርስቲያናት ተተኺለን፡ ብዙኃን ቅዱሳንን ቅዱሳትን ሊቃውንት መምህራን ፈርዮምን ስለ ሃይማኖት ሠናይ ገድሊ ተጋዲሎምን ብትምህርቲ ሓዋርያዊ ሃይማኖት፡ ብሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን ሕዝቦም ኣጽኒዖም። ኣብ ቋንቋ ባህሊ፡ ኪነጥበብ፡ ቅርሲ፡ ታሪክ . . . ወዘይመስሎ ዓቢይ ኣስተዋፅኦ እናገበረት ናብዚ መድረኽ’ዚ በጽሐት።

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ከም ጨንፈር ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኢትዮጵያ ኮይና ድኅሪ ምጽናሕ ምስ ናጽነት ኤርትራ፡ ሓዋርያዊ ሰንሰለቱን መንፈሳዊ ሥርዓቱን ብዝዓቀበ መሥርሕ ቅዱስ መንበር ተኺላን መንፈሳዊ ናጽነት ተጐናጺፋን፡ መበል ሻድሻይ ኮይና ምስተን ኣብ ነገረ መለኮትን ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያንን ዝመስልኣ ከምኡ’ውን ናይ ቍርባንን ቀኖና ክህነትን ሓድነት ዘለወን ኦርየንታል ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኣብያተ ክርስቲያን ተመዓራረየትን ከበረትን።

እቲ ዝነበረ መሥርሕ ኽንርኢ ከሎና፡ ኣብ 21 መስከረም 1984 ዓ.ም.ግ. ዓቢይ ጉባኤ ተቓኒዑ። ኣብዚ ካብ ኵሎም ገዳማት፣ ሊቃውንት፣ ቤተ ክህነት፣ ምእመናንን ትምህርተ ሰንበትን ዝተጋብኡሉ ዓቢይ ጉባኤ፡ 13 ኣባላት ዘለውዎ ጊዜያዊ ሲኖዶስ ተመርጸ። ኣብቲ ጊዜ’ቲ ዝነበሩ ጳጳሳት ከኣ ብፁዕ ኣቡነ ያዕቆብን ብፁዕ ኣቡነ ፊልጶስን ከምኡ’ውን ጽባሕ ናጽነት ብግብጺ ዝተሾሙን ጸኒሖም ዝተጸንበሩን ኣቡ መቃርዮስን ኣቡነ ማርቆስን እዮም ነይሮም። ስለዚ ብእኦም ጥራይ ሲኖዶስ ክቐውም ስለዘይክእል፣ እዚ ጊዜያዊ ሲኖዶስ ሓደስቲ ጳጳሳት ኣብ ምሕጻይን ሕገ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምሕንጻጽን ቀዳማይ ዕማሙ ኮነ።

ብመሠረት እዚ ጊዜያዊ ሲኖዶስ ዘውፅኦ መመኃዳሪ መምርሒ ድማ፡ ካብ ኣበምኔት ገዳማት ንመዓርገ ኤጲስ ቆጶስነት 15 ሕፁያት ኣቕሪቡ 5 ኤጲስ ቆጶስት ኣምረጸ።

እቶም ዝተመርጹ ድማ ናብ ግብጺ ከይዶም ብብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ሲኖዳ ናይ ግብጺ ፓትርያርክ 12 ሰነ 1986 ዓ.ም.ግ. ኣብ መዓልቲ ጰራቅሊጦስ ብመዓርገ ጵጵስና ተሾሙ።

እዚኣቶም ድማ፦
1. ብፁዕ አቡነ እንጦንዮስ – ጳጳስ ሃገረ ስብከት ማእከል
2. ብፁዕ አቡነ ዲዮስቆሮስ – ጳጳስ ሃገረ ስብከት ደቡብ መንደፈራ
3. ብፁዕ አቡነ ቄርሎስ – ጳጳስ ሃገረ ስብከት ደቡብ ዓዲ ቀይሕ
4. ብፁዕ አቡነ ዮሓንስ – ጳጳስ ሃገረ ስብከት ጋሽ ባርካ
5. ብፁዕ አቡነ ሰላማ – ጳጳስ ሃገረ ስብከት ዓንሰባ እዮም።

ኣብዚ ዕለተ ተቀብኦ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ሲኖዳ ብ60 ሊቃነ ጳጳሳትን ጳጳሳትን ተሰንዮም፡ ብፁዕ ኣቡነ ፊልጶስ፡ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስን ብፁዕ አቡነ ማርቆስን ተሳቲፎም ነይሮም።

ኣብ 1990 ዓ.ም.ግ ብፁዓን ጳጳሳት ሃገረ ስብከታት ኤርትራ፡ ኣባላት ጊዜያዊ ሲኖዶስን ካልኦት ኣካላት ቤተ ክርስቲያን ብዝገበርዎ ሱባኤን ዘተን ልኡኽ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ግብጺ ብተዓዛብነት ኣብ ዝተሳተፈሉ ንፓትርያርክነት ሕፁያት መሪጾም። ኣብ 30 ሚያዝያ 1990 ዓ.ም.ግ. ብመሪሕነት ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ሲኖዳ ኣብ ካይሮ ሢመተ ተቀብኦ ተፈጺሙ፡ ብፁዕ ኣቡነ ፊልጶስ ቀዳማይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኮይኖም ተሾሙ።

ክሳዕ እዚ እዋን’ዚ ከመኃድር ዝጸንሐ ጊዜያዊ ሲኖዶስ ተልእኾኡ ኣብቂዑ፡ ብሊቃነ ጳጳሳትን ጳጳሳትን ዝቖመ ሓድሽ ቅዱስ ሲኖዶስ ቆይሙ ኣገልግሎቱ ጀመረ። ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ ድማ፡ ብመሠረት ኦርቶዶክሳዊ ሕግን፡ ሕገ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራን ላዕለዋይ ወሳኒን ሓጋጊ ኣካልን ቤተ ክርስቲያን እዩ።

ኣብ 8 መስከረም 1995 ዓ.ም. ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ፊልጶስ ብምኽንያት ሕማም ምስ ዓረፉ፡ ብፁዕ ኣቡነ ያዕቆብ ዓቃቤ መንበር ኮይኖም ከገልግሉ ድኅሪ ምጽናሕ ኣብ 4 ታሕሣሥ 2002 ዓ.ም.ፈ. ካልኣይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኮይኖም ተሸሙ። ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ ብምኽንያት ሕማም ምስ ዓረፉ፡ ብፁዕ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ 25/04/2004 ዓ.ም.ፈ. ሣልሳይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኮይኖም ተሸሙ። ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ካብ መንበሮም ምስ ወረዱ፡ ብፁዕ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ራብዓይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኮይኖም ተሸይሞም ከገልግሉ ድኅሪ ምጽናሕ ብምኽንያት ሕማም 11 ታኅሣሥ 2008 ዓ.ም. ዓሪፎም።

ናይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤት ክርስቲያን ኤርትራ ፍሉይ መለለዪ ኣርማ፦ መስቀል፡ ጥንታዊት ቤተ ክርስቲያንን መጽሓፍ ቅዱስን ዘለዎ እዩ። ነዞም ሠለስተ ዘኅብር ጥቕሲ ድማ ‘ እቲ ቃል ሥጋ ኮነ’ ዝብል ተጻሒፍዎ ኣሎ። (ዮሓ. 1፡14) ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ብዘላ ዓለም ብርሃን ወንጌል ምስባኽ ምዃኑ ዝገልጽ ኣርማ እዩ። ማር. 16፡16

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤት ክርስቲያን ኤርትራ፦ ብግምታዊ ቀመር ልዕሊ 2 ሚልዮን ምእመናንን ምእመናትን፣ 25,000 ውሉደ ክህነት፣ 1100 ኣብያተ ክርስቲያንን 22 ገዳማትን ኣለዉዋ። ገዳማት በብዘመኑ ናብ ዓድን ኣድባራትን ተቐይሮም እምበር ቍጽሪ ገዳማት ካብዚ ዝበዝኅ እዩ ነይሩ።

በቲ መንፈሳዊ ተልእኾኣ ኣበርክቶ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤት ክርስቲያን ኤርትራ: ኣብ ዕቃበ ልሳነ ግእዝ፡ ቀመራዊ ኣኃዛትን ባሕረ ሓሳብን፡ ሕግን ሥርዓትን፡ ሥነ ጽሑፍን ትምህርትን፡ ባህልን ቅርስን ዘለዋ ግደ ዓቢይ እዩ። ብጸሎትን ትምህርቲ ወንጌልን ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ብቕዓት ኪህልዎምን ምእመናን ብእምነቶም ክጸንዑን፡ ሓድነት ሃገር ጸኒዑ ሰላም ሰፊኑ ኪነብር፡ ኣብ ኵሉ ዓለም ሕውነት ማዕርነት፡ ፍትሒ ክነግሥ፡ ጽልእን ምትህልላኽን ተሪፉ ብፍቕርን ምትሕግጋዝን ኽትካእ ኣብ ዚግበር ዓለምለኻዊ ጻዕሪ ዝግብኣ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ኣብ ምብርካት ትነብር ኣላ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

Events

< 2024 >
April 28 - May 04
  • 28
    No events
  • 29
    No events
  • 30
    No events
  • 01
    No events
  • 02
    No events
  • 03
    No events
  • 04
    No events

ደብረ ሳህል ቅዱስ ሚካኤልን አቡነ አረጋዊን ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤ/ክ ለንደን

78 Edmund Street
London SE5 7NR

Phone: (0044) – 020 7703 5147
E-mail: admin@debresahl.com