እግዚአብሔር እግዚእ አስተርአየ ለነ። መዝ 117፡27

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ አምላክ አሜን።

ብኣምላኽነቱ ፈጢሩ፡ ዘይጭክነልና ንስም ኣሰዋውዑ ምስጋና ይኹን። ከምኡ`ውን ንወላዲቱ ንኣዲኡ ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ነቶም ንሱ ባዕሉ ጸዊዑ ዘኽበሮም፡ ኣኽቢሩ ዝቐደሶም ንኹሎም ቅዱሳን ክብሪ ይኹን። ority4

እዚ ሓይለ ቃል እዚ፡ ካብቶም ነቢያት ሓደ ዝኾነ ነቢይ ዳዊት ኢዩ ተዛሪብዎ። ዳዊት ብህይወት እንከሎ፡ ብዳሕራይ ዘመን ዝኸውን ስለዝተገለጸሉ ኢዩ ነዚ ዝበነ።

ብምልኣት ዘሎ እግዚኣብሔር ብረድኤት ተገለጸልና፡ ኣብ ሰማያት ዘሎ ልዑል ፈጣሪ ብስጋ ተወሊዱ ተገልጸልና። እቲ ኣብ ግዜ ውድቀቱ ኣብ ግዜ ሓዘኑ ንኣቢና ኣዳምን ደቁን ቃል ዝኣተወሎም ካብ ዘርእኻ ተወሊደ ከድሕነካ ኢየ፡ ካብታ ዝወጻእካላ ገነት ናብኣ፡ ናብ ሰፈርካ ከእትወካ ኢየ። ኢሉ ዝሃቦ ተስፋ እቲ ዘመን ዓመተ ኩነኔ ምስተወድአ፡ እግዚኣብሔር ብዘይምርመር፡ ብዘይንገር ምስጢር ካብ ድንግል ማርያም ተወልደ። (ገላ 4:1)

እዚ እቲ ዝኸውን ተገሊጽሉ ድማ ኢዩ ነቢይ እግዚኣብሔር፡ `እግዚአብሔር እግዚእ አስተርአየ ለነ።` ዝበለ። እቲ ንጽበዮ ዝነበርና ምሕረት እግዚኣብሔር ብረድኤት ተገልጸልና። ልደቱ ንዓና ንደቂ ኣዳማ ኢዩ ጥቕሙ እምበር፡ ንባዕሉ ንፈጣሪ ኣይኮነን። ስለዚ ንዓና ረድኤት ኢዩ፡ ንዓና ምሕረት ኢዩ፡ ንዓና ባህታ፡ ሓጎስ ኢዩ። ልዑል ኣምላኽ ኣብ ሰማየ ሰማያት ዝነብር፡ ብስጋ ተገልጸልና፡ ናብ ምድሪ ወሪዱ ብጸቢብ ደረት ብሓጺር ቁመት ተወሲኑ ኣብ ምድረ እስራኤል ተወሊዱ ረኣናዮ። ብልደቱ ካብ ማንም ዘይረኸብናዮ ዓቢይ ሓጎስ ረኺብና ኢና። ከም ሰብ ንዓና መሲሉ ብስጋ ዝተገለጸ ኣምላኽ ዝተወልደሉ ዕለት ድማ እንሆ ዓመት መጸ ብዓቢይ ሓጎስ ነብዕሉ ኣለና።

ቀደምት ነቢያት ሱባኤ ሒዞም፡ ጾም ጸይሞም፡ ትንቢት ተነቢዮም ዝተጸበይዎ ንሕና`ውን ንሱ ኣብነት ጌርና፡ ንበዓለ ልደት ዓቕምና ዝፈቕዶ ኩሉ ጌርና ኣኽቢርናዮ ንውዕል።

እዚ ቅንያት፡ ካብ ልደቱ ክሳብ ድሮ ዓቢይ ጾም ዘሎ መዓልታት ዘመነ ኣስተርእዮ ይበሃል። ቅዱስ ዳዊት፡ `እግዚአብሔር እግዚእ አስተርአየ ለነ` ከምዝበለ ናይ ቤተ-ክርስቲያና ሰባኬ ወንጌል ዝኾነ ጥዑመ ልሳን ቅዱስ ያሬድ ኣብ ወርሒ ጥሪ ዝበጽሕ/ዝንገር ስብከቱ፡ `እሙነ ኮነ ልደቱ` ኢሉ ጀሚሩ፡ ካብ ሰማያት ወረደ፡ ካብ ድንግል ማርያም ተወልደ፡ ብመላእኽቲ ተመስገነ፡ ኣብ ቤተልሄም ተወልደ፡ ኣብ ናዝሬት ዓበየ፡ ኣብ ዮርዳኖስ ተጠምቀ፡ ኣብ ቃና ዘገሊላ ተኣምራቱ ኣርኣየ እንዳበለ ይገልጽ። ወንጌላውያን ከኣ ኣብ ግዜ ጥምቀቱ `ተርህወ ሰማይ` ኢሎም ገሊጾም ኣለዉ።
(ማቴ 3:13)


ሰማይ ተኸፊቱ፡ ማለት እግዚኣብሔር ኣብ፡ ኣብ ሰማይ ኮይኑ፣ ናይ ባህርይ ወዱ ንእግዚኣብሐር ወልድ `ዝንቱ ውእቱ ወልድየ ዘአፈቅር/ እንሆ ድማ ብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ ኢዩ።` ዝብል ድምጺ ካብ ሰማይ መጸ/ተሰምዐ። ብዓይኒ`ውን ኣብ ደመና ኮይኑ ተራእየ።

ኣብ ኣብ ሰማይ

ወልድ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ

መንፈስቅዱስ ብኣምሳል ርግቢት ኣብ ርእሲ ወልድ ዓሊቡ ስለዝተራእየ፡ ናይ ኣጋእዝእተ-ዓለም ስላሴ ሓድነቶምን ሰለስትነቶምን ብጋህዲ ተራእየ። እዚ ዘመነ ኣስተርእዮ ድማ ናይ ምግላጽ፡ ናይ ምርኣይ፡ ናይ ምግሃድ ብምባል ይፍለጥ።

ድምጹ ምስማዕ፡ ተኣምራቱ ምርኣይ(ምዕዛብ)፡ ትእዛዙ ምፍጻም፡ ኣምላኽነቱ ምኽባር፡ ኩላትና ኣመንቲ ክንገብሮ ዝግብኣና ኢዩ። ንዓና ከይነዓቐ፡ ብሓጢኣትና ከይተጸየፈ፡ ስጋና ተዋሂዱ ሰብ ኮይኑ ተወሊዱ፡ ተጠሚቑ በብንእሽቶ እንዳዓበየ ስርዓታቱ ኩሉ ዘርኣየና ትምህርቱ ዘምሃረና ሕጊ ወንጌል ዝሰርዓልና ፈጣሪ እግዚኣብሔር ንስም ኣጸዋውዕኡ ምስጋና ይኹን፡ ኣሜን።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር።

Events

< 2024 >
May 10 - May 16
  • 10
    No events
  • 11
    No events
  • 12
    No events
  • 13
    No events
  • 14
    No events
  • 15
    No events
  • 16
    No events

ደብረ ሳህል ቅዱስ ሚካኤልን አቡነ አረጋዊን ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤ/ክ ለንደን

78 Edmund Street
London SE5 7NR

Phone: (0044) – 020 7703 5147
E-mail: admin@debresahl.com